ኣብ ንኡሳን ዞባታት ማይ-ዓይኒን ጎልጅን፡ ብምውህሃድ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ልምዓታዊ ወፈራታት ተኻዪዱ።

እቲ ናይ ማይ-ዓይኒ ወፈራዊ ስራሓት፡ ምጽጋን ቢንቶ ኣብ መስመር ደቀምሓረ-ጸሮናን፡ ምህናጽ ቀጽሪ ቤት-ትምህርቲን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብተሳትፎ ተቐማጦ ሓውሲ ከተማ ማይ-ዓይኒ፡ ዓዲታት እምባዓረባ፡ ሓበናት፡ ዓዲ-ባር፡ ዓዲ-ሑፋት፡ ምሕራድ-ላም፡ ዓዲ-ጸቒጣን ሓድሽዓድን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል እዩ ተኻዪዱ።

ኣብ ከባቢ ማይ-ዓይኒ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን’ውን፡ ንመዘርግሒ ሻምብቆታት ማይ ዘገልግል ልዕሊ ሓሙሽተ ኪሎ-ሜተር ጎዳጉዲ ብምዅዓት፡ ጸገም ዝስተ ማይ ተቐማጦ ሓበናት ከምዝፈትሑ ይዝከር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ተቐማጦ ጎልጅ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ናይ ምግራብ ስራሓት ኣካዪዶም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ደሴ ዘርአማርያም፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ’ቲ መካነ-መቓብር ዝካየድ ዝነበረ ናይ ምግራብ ንጥፈታት፡ ከምቲ ዝድለ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ጠቒሱ፡ እዚ ሕጂ ዝተሰላሰለ ግን – ብክኢላታት ዝተጸንዐ ምሩጽ ሓመድን ድዅዒን ስለእተገብረሉ፡ ውጽኢታዊ ክኸውን ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ኣስታት ሓደ ኪሎ-ሜተር ዝኸውን መስመር ማይ’ውን ተዋዲዱሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories