ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ደቡብ፡ ማሕበራዊ ኩነታት ዜጋታት ብሓፈሻ፡ መነባብሮ ስድራ ስዉኣትን ኣለይቲ ዘኽታማት ስድራቤታትን ድማ ብፍላይ ንምምሕያሽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣስታት 44 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ከምዝገበረ፡ ብ11 ሓምለ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝገበሮ መንፈቓዊ ኣኼባ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት’ቲ ሚኒስትሪ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዝተረኸቡሉ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ሃይለ ገብረሚካኤል፡ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ናይ 2019 ብውህደት ምምሕዳራት፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ባይቶን ግንባርን፡ ኣብ ምቅላል ማሕበራዊ ሽግራት ዘተኰሩ ዘተባብዑ ዕማማት ከምእተተግበሩ ሓቢሩ።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ንዝርከቡ ልዕሊ 20 ሽሕ ስድራ-ስዉኣት፡ 42.2 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ከምእተኸፍለ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ማይ-ምነ፡ ድባርዋ፡ ደቀምሓረ፡ ሰገነይቲ፡ ዓረዛን ዓዲ-ዃላን ድማ 174 ስንኩላንን ዘኽታማትን ንዝኣልያ ስድራቤታት ልዕሊ 800 ሽሕ ናቕፋ ወጻኢ ብምግባር ብጥሪት ከምእተጣየሳ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብዘይካ’ዚ፡ ን800 ጽጉማት ተመሃሮ ንመግዝኢ ዲቪዛን ናውቲ ትምህርትን ደገፍ ከምእተገብረ፡ ን152 ስድራስዉኣትን ስንኩላንን ድማ ዓይነታዊ ደገፍ ከምእተገብረ ተጠቒሱ።

Categories