ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ትማሊ 13 ሓምለ – ብማስተርስ፡ ቀዳማይ ዲግሪን ዲፕሎማን 1166 ተመሃሮ ኣመሪቑ።

ምሩቓት – 4 ብማስተርስ፡ 583 ብቐዳማይ ዲግሪ፡ 579 ብዲፕሎማ ኮይኖም – 548 ካብ ኮሌጅ ስነትምህርቲ፡ 369 ካብ ኮሌጅ ምህንድስናን ቴክኖሎጅን፡ 245 ድማ ካብ ኮሌጅ ስነፍልጠት እዮም።

ኮሌጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ – ምጽዋዕ እውን፡ ንመበል 12 ግዜኡ 131 ተመሃሮ – 88 ብዲግሪ፡ 43 ድማ ብዲፕሎማ ኣመሪቑ።

ኣብ’ቲ ሚኒስተራትን ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ዲን ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ፕሮፌሰር ገብራይ ኣስገዶም፡ ምብዛሕን ምስፋሕን ኮሌጃት መርኣያ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝተገብረ ገዚፍ ወፍሪ ምዃኑ፡ በብዓመቱ ዝምረቑ ዘለዉ ተመሃሮ ድማ፡ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ መደባት ልምዓት ዝምስገን ኣበርክቶ ይገብሩ ምህላዎም ገሊጹ።

ሚኒስተር ህንጻ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ፡ ተመረቕቲ ናይ ኮሌጅ ምዕራፍ ዛዚሞም ናብ’ቲ ዝሰፍሐ ፍልጠት ዝቕሰሞ ናይ ስራሕ ዓለም ኣብ ዝሰጋገሩሉ እዋን፡ ብድምር ክእለትን ሞያን፡ ተወዳዳሪ ዓቕምን ብቕዓትን ከጥርዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ። ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ሰፊሕ ዕድላት ኣብ ረብሓኦምን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምውዓል፡ ብተገዳስነት ክጽዕቱ ድማ ኣዘኻኺሩ።

Categories