ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣብ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ብዘመናዊ ህንጻ ዝስራሓ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ዓመት ክዛዘማ ምዃነን፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መሓመድኖር ረጀብ ገሊጹ።

ትግባረ መደባት ቀዳማይ መንፈቕ ኣብ ዝተገምገመሉ ኣኼባ፡ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣቶ መሓመድኖር፡ ዝተወጠነ መደባት ብግቡእ ከምእተተግበረ፡ ትምህርቲ ዘይጀመሩ ቈልዑ ክመሃሩ፡ ዘቋረጹ ድማ ከምዝቕጽሉ ክግበር ምዃኑ ኣብሪሁ።

ተርእዮ ኣንበጣ ምድረበዳ ንምቊጽጻር ዕዉት ስራሕ ከምእተሰርሐ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምጽጋን ዓግማትን ጀሪፋትን ከምኡ’ውን ምውሓስ ጽሬት ከባቢ ድማ፡ ካብቶም ብልዑል ህዝባዊ ተሳትፎ ዝተተግበሩ መደባት ምዃኖም ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ግብሪ መሬትን ጥሪትን ብግቡእ ክእከብ፡ ኣብ ምክልኻል ኣንበጣ ምድረ-በዳ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ሓያል ስራሕ’ኳ እንተተሰላሰለ፡ ዋሕዲ ዓቕሚሰብን መድሃኒትን ስለዝነበረ፡ ንመጻኢ ክሕሰበሉ፡ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ዝብሉን ካልኦትን ለበዋታት ኣሕሊፎም።

Categories