ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብ2 ሓምለ ዝጀመረ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ሓላፊ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ኣቶ ኣብርሃም በርሀ ገሊጹ።

ኣቶ ኣብርሃም፡ ኣብ’ተን ቀዳሞት 10 መዓልታት ጥራይ፡ ተመሃሮ ኣብ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ኣብ ምድላው ንፈልሲ ዝኸውን ጐዳጒዲ፡ ዕዉት ስራሕ ከምዝዓመሙ ሓቢሩ።

ነቲ መደብ ኣብ ምእላይ ዝርከቡ ኣባላት ሚኒስትሪ ሕርሻን መማህራንን ብወገኖም፡ ንዕቱብነት ተመሃሮ ኣብ ምኽባር ግዜን ተወፋይነት ኣብ ስራሕን ብምምጓስ፡ ድሮ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ስራሕ ተዛዚሙ፡ ናብ’ቲ ፈልሲ ናይ ምትካል ካልኣይ ገጽ ናይ’ቲ መደብ ኣትዮም ከምዘለዉ ገሊጾም። ሎሚ ዓመት ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣስታት 5 ሽሕ ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 11 ሽሕ ተመሃሮ፡ ኣብ 69 ነቚጣታት ተመዲቦም ኣብ ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ’ዚ ወፍሪ እዚ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ጥራይ – ኣስታት 400 ሽሕ ፈልሲታት ገረብ ንምትካል እዩ’ቲ መደብ።

Categories