ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ “ሳዋ – ዕቱብ ምርጫ ንውሑስ መጻኢ” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 1 ክሳብ 4 ነሓሰ ኣብ ሳዋ ክካየድ ምዃኑ፡ ኣዛዚ ማእከል ወተሃደራዊ ስልጠናታት ኮሎኔል እዝራ ወልደገብረኤል ሓቢሩ።

ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ኮሎኔል እዝራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክምስረት ምውሳኑን ክውን ምግባሩን፡ ክሳብ ክንደይ ንርሑቕ ዝጠመተ ስትራተጂካዊ ራኢ ከምዝነበሮ ዘነጽር ምዃኑን፡ ተመሪጹ ዘሎ ቴማ ነዚ ብዝግባእ ዘንጸባርቕ ከምዝኾነን ገሊጹ።

እቲ ጽምብል፡ ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽልን ተዘካርን ክኸውን ክግበር ዝጸንሐ ሰፊሕ ምድላዋት፡ ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ ከምዝርከብ፡ እዚ ድማ – ባህላውን ስነ-ጥበባውን መደባት፡ ምርኢት ክላስተኒክስ፡ ካርነቫል፡ ወተሃደራዊ ምረሻታት፡ ያታውን ዘመናውን ወተሃደራዊ ዕጥቅታት፡ ቅብኣታት፡ ስእልታት ፎቶግራፍ፡ ቅርጺታትን ምህዞታትን፡ ስእልታት ስውኣት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ኤግዝቢሽን፡ ንዝኽሪ ሳዋ እትትርኽ እኩብ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ሰነዳዊ ፊልምታት፡ ሰሚናራት፡ መጽናዕታዊ ጽሑፋት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታትን ካልእን ከምዘጠቓልል ኣረዲኡ።

ኩለን ዞባታትን መንግስታዊ ኣካላትን እውን፡ ነቲ ጽምብል ዘድምቕ ዝተፈላለየ መደባት ንምክያድ ተዳልየን ምህላወን ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ናይ ሳዋ ጽምብል፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ህዝቢ ክሳተፍ ትጽቢት ከምዝግበር፡ ከም’ቲ ልሙድ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ በብንኡስ ዞባኡ፡ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ድማ ብመንገዲ ሃማመተኤ ተወዲቦም ክወርዱ ምዃኖም ዝሓበረ ኮሎኔል እዝራ – ዘድሊ መዳቕሶ፡ እኽለ-ማይን ካልእን ተዋዲዱ ከምዘሎ ገሊጹ።

“ወተሃደር ማለት ኣብ ኤርትራ፡ ውዱብ ሓይሊ ማለት’ዩ። እዚ ሓይሊ’ዚ ዝያዳ ንኽድልድልን ኤርትራ ምስ ክብርታታ ሕፍርቲ ንኽትከውንን ከኣ፡ ሓደ ሰብ ኩሉ ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ክኸውን ከኣ፡ ብኣካዳሚ፡ ሞያ፡ ስነ-ኣእምሮን ንቕሓትን ክበስልን ኤርትራዊ ክብርታት ክወርስን የድሊ። ሃገራዊ ኣገልግሎት እምበኣር፡ ነዚ ዘመቻችአ – መመሊሱ ዝዂላዕ መድረኽ እዩ” ክብል ኣገንዚቡ።

ኮሎኔል እዝራ ኣብ መወዳእታ፡ “ሳዋ መቐጸልታ ሳሕል’ያ” ብምባል፡ እዚ ጽምብል’ዚ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝተሰግረ ብድሆታትን ዝተመዝገበ ብልጫታትን ከም መሰጋገሪ መድረኽ ተጠቒማ፡ ንመጻእቲ ወለዶ ብሓድሽን ስልጡንን ኣገባብ እትሃንጽ ማእከል ኮይና ንኽትቅጽል፡ እትግምግመሉን ዳግም እትብገሰሉን ክኸውን ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

Categories