ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሚነሶታን ኣብ’ታ ክፍለ ሃገር ዝርከቡ ኣካየድቲ ሃገራውያን ውዳበታትን፡ ብ7 ሓምለ ኣብ ከተማ ‘ሴንት-ፖል’፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን መድረኻዊ መደባት ስራሕን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዶም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ – ብዘንቀደ ተጻብኦታት ኣንፈቶም ከይሰሓቱ ስለዝጸንዑ፡ ዝበለጸ ዕድላት ኣብ ዘለዎ ትስፉው መድረኽ ተኣትዩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ተበጋጊሱ ዘሎ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ንምዕዋት፡ ሞያውን ማላውን ኣበርክቶ ዜጋታት ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ንሃገራውያን ውዳበታት ኣብ ዝምልከት ድማ፡ ኣቶ ብርሃነ፡ ኣባላተን – ኣብ ምብራኽ ንቕሓትን ምውርጻጽ ውዳበን ብተወፋይነትን ትኵርነትን ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

Categories