ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፡ ትማሊ 11 ሓምለ ኣብ ዝገበሮ መበል 12 ስነ-ስርዓት ምረቓ፡ ብትሽዓተ ዓውድታት ዘምሃሮም – 283 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 473 ተመሃሮ፡ ብማስተርስ፡ ቀዳማይ ዲግሪን ዲፕሎማን ኣመሪቑ።

ተመረቕቲ፡ ሓንቲ ብማስተርስ፡ 262 ብቐዳማይ ዲግሪ፡ 210 ድማ ብዲፕሎማ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብዓውድታት ሕርሻዊ ቁጠባ፡ ሕርሻዊ ምህንድስና፡ ስነ-ዘራእቲ፡ ስነእንስሳ፡ ስነ-ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ሃብቲ መሬትን ምዕቃብ ኣከባብን፡ ምክልኻል ብቚሊ፡ ሕክምና እንስሳ፡ ሳይንስን ቴክኖሎጂ መግብን እዮም ትምህርቶም ዛዚሞም።

ኣብ’ቲ ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዋይ ትምህርቲን ምርምርን፡ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ ዝርከቦም ሰበስልጣን መንግስቲ ዝተሳተፉሉ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ዲን ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ፕሮፈሰር ወልደኣምላኽ ኣርኣያ፡ እቲ ኮሌጅ፡ ኣብ ሕርሻዊ ስነፍልጠት – ብቑዕ ፍልጠት፡ ሞያን ዲስፕሊንን ዝዓጠቐ ዓቕሚ-ሰብ ኣብ ምፍራይ፡ ዓቢ እጃም የበርክት ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ብወገኑ፡ ኣብ ትካላት-ትምህርቲ ዝቕሰም ፍልጠት ናይ መወዳእታ ሸቶ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ እቲ ቀንዲ – ብኽለሰ-ሓሳብ ንዝተመሃርካዮ ኣብ መኣዲ ስራሕ ብትግሃትን ተወፋይነትን ከተተግብሮ እንከለኻ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

መመረቕታ ማለት፡ ካብ ሓደ ነዊሕን ብዙሕ ዓቕሊ ዝሓትትን ናይ ትምህርቲ ምዕራፍ፡ ናብ ካልእ ናይ ስራሕ ተመኵሮ እትቐስመሉ ባይታ ፍልጠት ምስግጋር ምዃኑ ዝጠቐሰ ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡ ንዘምሃሮም ህዝብን መንግስትን ብዓጸፋ ስራሕ ክኽሕሱ ቃል ኣትዩ

Categories