ኣብ ዞባ ማእከል፡ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ንዝነጥፉ ኣብነታውያን ሱፐርቫይዘራት፡ ርእሳነ-መማህራንን መማህራንን ሸሊሙ።

ብ11 ሓምለ፡ ኣብ ‘ዓዲ ቀ’ ኣብ እትርከብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ 18 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 51 መማህራን፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብዝገበሩዎ ውፉይን ኣብነታውን ኣበርክቶ፡ ገንዘባውን ዓይነታውን ህያባት ተበርኪቱሎም።

ሓላፊ’ቲ ቤት-ጽሕፈት መምህር ቴድሮስ ኣብርሃም፡ እቲ ብዞባ ዝነቐለን ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ዘተግበሮን – ኣብነታውያን መማህራን ናይ ምሽላምን ምትብባዕን ተበግሶ፡ ኣብ መንጎ መማህራን ቅዱስ ናይ ምውድዳር መንፈስ ዝፈጥር፡ ሓደስቲ መማህራን ኣሰር’ቶም ኣብነታውያን ክስዕቡ ዝድርኽ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እዚ ዓይነት ኣፍልጦ ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽል ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

እቶም ንሽልማት ዝበቕዑ ኣብነታውያን መማህራን፡ ሞያ ምምህርና – መጻኢ ወለዶ ናይ ምኹስኳስ ሓላፍነት ዘሰክም ኣገዳስን ክቡርን ሞያ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ከም’ዚ ዓይነት መተባብዒ ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽል ተላብዮም።

Categories