ንቕሓት ደቂ-ኣንስትዮ ብምብራኽ፡ ተሳትፎአን ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ክብ ንምባል ዝተኻየደ ጻዕርታት – ዝያዳ ክሕይል፡ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን፡ ኣብ ዝተገብረ ገምጋማዊ ኣኼባታት መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ብደረጃ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብ24ን 25ን ሰነ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ኣብቲ ዞባ ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ፡ ኣብ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ፡ ዝረአ ዘሎ ዕብየት፡ ኣብ ማሕበራውን ልምዓታውን መደባት ዝረአ ዘሎ ለውጢ፡ እቶም እናሃሰሱ ዝኸዱ ዘለዉ ጐዳእቲ ልምድታትን ካልእን፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ምስ ምምሕዳራትን ካልኦት መሻርኽትን ብምውህሃድ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት ምዃኑ ሓቢራ።

ብ27 ሰነ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ርክብ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ወይዘሮ ሰናይት ኣፈወርቂ፡ ኣብ ምቅላስ ሃሳዪ ልምድታት፡ ምሕያል ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ኣብ ጥዕናዊ ምክትታል ነብሰ-ጾራትን ካልእን. . . ሰፊሕ ጐስጓሳት ከምእተኻየደ ኣረዲኣ።

ኣብ ባጽዕ ብ28 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እውን፡ ሓላፊት’ቲ ጨንፈር ወይዘሮ ጅምዓ ራኪ፡ ንወለዶታት ዝቐጸለ ድሑር ልምድታት ክውገድ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ተሳታፍነተን ኣብ ኩሉ መዳያት ከረጋግጻ ከምዝግባእ ኣዘኻኺራ። ምስ ሚኒስትሪ ሓርሻ ብምውህሃድ ኣብ ሕርሻ ንዝነጥፋ ደቂ-ኣንስትዮ ዝግበር ዘሎ ደገፍ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ድማ ሓቢራ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ዝምልከት መብርሂ ሂባን፡ ደቂኣንስትዮ ብንቑሕ ውዳበ ኣብነታዊ ኣበርክቶ ክገብራ ተላብያን።

Categories