ማሕበር ቤተ-መጻሕፍትን ሓበሬታን ኤርትራ፡ ካብ ሚኒስትሪታት ትምህርቲ፡ ቱሪዝም፡ ንግዲን ኢዱስትሪን ፋይናንስን፡ ከምኡ’ውን ካብ ቤት-ትምህርቲ ጽሙማን ዝተዋጽኡ ሰራሕተኛታት፡ ንሰለስተ ወርሒ ብኣተሓሕዛን ምሕደራን መዝገብ፡ ስነዳን ቤትንባብን ኣሰልጢኑ።

ብ29 ሰነ ኣብ ኣዳራሽ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ፕረዚደንት ናይ’ቲ ማሕበር ኣቶ ክፍሎም ሚኪኤል፡ ሰልጠንቲ – ነቲ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተደጊፉ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ብግብሪ ክሰርሑሉ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

እቲ ስልጠና፡ ካብ ልምዳዊ ኣተሓሕዛ ቤት-ንባብን መዛግብትን ናብ ዲጅታላዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዘሰጋግር፡ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ ዝሕግዝ፡ ከምኡ’ውን ስርዓተምሕደራ መጻሕፍትን መዛግብትን ዘማዕብል ምዃኑ ሰልጠንቲ ሓቢሮም።

Categories