ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ፡ ፍሉይ ቈላሕታን ምክትታልን ኣብ ዘድልዮም ሕማማት፡ ብ27 ሰነ ምስ መሻርኽቲ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ልዕሊ 40 ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ኣባላት ምምሕዳርን ዝተረኽቡሉ ዘተ፡ ብለበዳ መልክዕ ክኽሰቱ ዝኽእሉ ሕማማት ብዝርዝር ክቐርቡ እንከለዉ፡ ሕብረተ-ሰብ፡ ትካላት ጥዕናን ኣካላት ምምሕዳርን ንምክልኻሎም ክገብሩዎም ብዛዕባ ዝግባእ ንጥፈታት መብርሂ ተዋሂቡ።

ክኽሰቱ ዝኽእሉ ሕማማት ብዝርዝር ክቐርቡ እንከለዉ፡ ሕብረተ-ሰብ፡ ትካላት ጥዕናን ኣካላት ምምሕዳርን ንምክልኻሎም ክገብሩዎም ብዛዕባ ዝግባእ ንጥፈታት መብርሂ ተዋሂቡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፡ እቲ ጨንፈር ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ተወሃሂዱ፡ ኣብ ምክልኻል ሕማማትን ምዕዋት መደባት ክታበትን ዘሰላስሎ ዘሎ ስራሕ – ዝምስገን ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ከም ነድሪ ሳንቡእ፡ ሕማማት ዓይኒ፡ ዓሶን ሕማም ከርፈስን ዝኣመሰሉ ሕማማት እውን፡ ጽሬት ሰብነትን ከባቢን ብምውሓስ ንምክልኻሎም ዘድሊ ጐስጓሳት ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብመንከስቲ ጣንጡ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዓሶን ከርፈስን፡ ምስ ምጅማር ክራማት ብዝፍጠር ዕቋር ማያት ክርኣዩ ስለዝኽእሉ፡ ህዝቢ ስሩዕ ወፈራዊ ማእቶት ብምውዳብ፡ ማይ ዘዐቊር ጐዳጉዲ ክደፍንን ላምስያ ክጥቀምን ኣዘኻኺሩ። ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምግታእ እውን፡ ፋሉል ኣኽላባት ክውገዱን እንስሳ ዘቤት ግቡእ ክትትል ጥዕና ክገብራን ተላብዩ።

Categories