ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት ጋሽ-ባርካ ንዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝወከሉ – 1,160 ተመሃሮ ዝተሳተፍዎ ትምህርታዊ፡ ስነ-ምምህርናዊ፡ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት ዘጠቓለለ ቅነ ትምህርቲ፡ ካብ 23 ክሳብ 25 ሰነ ኣብ ከተማ ባረንቱ ተኻዪዱ።

እቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ ሽግ ብምውላዕ ዝኸፈቶን “ውሑስ ሃገራዊ ልምዓት፡ ብትምህርታዊ ብቕዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደን ቅነ፡ ነቲ ብደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲን ንኡሳን ዞባታትን ክቕጽል ዝጸንሐ መደባት፡ ብደረጃ ዞባ ንምዝዛሙ ዝዓለመ ምዃኑ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ባህልን ስፖርትን መምህር ሰለሙን ተኽለሃይማኖት ሓቢሩ።

እቲ ቅነ፡ ኣብ ባህሊ – ውድድራት ሙዚቃ፡ ድራማን ስነ-ጽሑፍን፡ ኣብ ትምህርቲ – ውድድራት ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ክትዕን መደረን፡ ኣብ ስፖርት ድማ – ውድድራት ኲዕሶ እግሪ፡ መርበብ፡ ሰኪዔት፡ ኣትለቲክስን ቅድድም ብሽግለታን ዝሓቘፈ ነይሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምህር መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም፡ ማእከል ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ንተመሃራይን ንጡፍ ሱታፌኡን መሰረት ዝገበረ ስለዝኾነ፡ እቲ መደባት ብዝለዓለ ውዳቤ ከምዝቕጽል ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ንዕዉታት ተመሃሮን ኣብያተ-ትምህርትን ሽልማት ተዓዲሉ።

Categories