ኣሕዳሪ ኮሚኒቲ ኮለጅ ትምህርቲኣስመራ፡ ትማሊ 29 ሰነ ኣብ ዘካየዶ መበል 22 ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ንክልተ ዓመት ከሰልጥኖም ዝጸንሐ 564 ሕጹያት መማህራን ኣመሪቑ። ካብ ተመረቕቲ፡ እተን 313 ደቂ-ኣንስትዮ እየን።

ኣመሓዳሪ’ቲ ኮሌጅ ኣቶ በረኸት ዑቕባረቢ፡ መሰረት ምዕባለ – ትምህርቲ ምዃኑ፡ ብቕዓቱ ዝሓለወ ትምህርቲ ክወሃብ እንተኾይኑ ድማ፡ ብቑዓትን ውፉያትን መማህራን ክህልዉ ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ ኮሚኒቲ ኮሌጅ ትምህርቲ-ኣስመራ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝምስገን ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቶ በረኸት ቀጺሉ፡ ኣብ ሃገርና ሞያ ምምህርና ክቡርን ተፈታውን ከም ምዃኑ መጠን፡ ተመረቕቲ ውሕስነት መጻኢ ተመሃሮኦም ኣብ ኢዶም ከምዘሎ ተገንዚቦም፡ ሓላፍነታውያንን ግዱሳትን ኮይኖም ብትግሃት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ወኪል ተመሃሮ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ናብ ስራሕ ክኣትዉ እንከለዉ – ዝጽበዮም ሓላፍነት ከምዝግንዘቡን፡ ትጽቢት ዜጋታቶም ከማልኡ ድሉዋት ምህላዎምን ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ደረጃኦም ዘዕብዩሉ ኩነታት ክፍጠረሎም ተላብዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ትምህርቲ ናብ ምዕባለን ርህው መዋእልን ዘሰጋግር መሳርሒ ስለዝኾነ፡ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ብብቕዓት ክዋስኡሉ ኣተሓሳሲቡ።

Categories