ነበርቲ ሸሞንተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ሓመድን ማይን ብምዕቃብ እቶትን እቶታውነትን ንምዕባይ፡ ከምኡ’ውን ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ንምትእትታው፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ፡ ወፈራዊ ስራሓት የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ሓረስቶት ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ እቶታውነቱ ብፈተነ ብምርግጋጹ፡ ነቲ ዘርኢ ንምጥቃም – ሓመድን ማይን ናይ ምዕቃብ ስራሓት የሰላስሉ ከምዘለዉ ገሊጾም። እቶቶም ክረብሕ – ባህርያዊ ድኹዒ ክጥቀሙ ምዃኖም እውን ገሊጾም።

ሓላፊ ልምዓት ብቚሊ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ መልኣከ ተወልደ፡ ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ንሓረስቶት ንምዕዳል ኣቐዲሙ ዘድሊ ጐስጓሳትን ኣስተምህሮን ከምእተኻየደ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ – ሓረስቶት ኣብ ግራውቶም ዘድሊ ምድላዋት ከምዝገበሩን ይቕጽልዎ ከምዘለዉን ሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣቶ መንግስትኣብ ጠዓመ እውን፡ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ብሓፈሻ – 180 ሄክታር ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ‘ኣቲላ’ን ‘ሲድራ’ን ክዝራእ ተዳልዩ ከምዘሎ ገሊጹ። ሓረስቶት ንዓኦምን ንጥሪቶምን ጽቡቕ ውጽኢት ዘለዎ ዘርኢ ምዃኑ ተገንዚቦም ዘድሊ ንጥፈታት የካይዱ ምህላዎም ድማ ኣረጋጊጹ። ነቲ ተለልዩ ዘሎ መሬት ዝከታተሉ 16 ክኢላታት ተመዲቦም ምህላዎም እውን ኣረጋጊጹ።

Categories