መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ – 20 ሰነ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርና፡ ብሰልፊ ሽምዓ፡ ማእቶት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት፡ ናይ እግሪ ጉዕዞ፡ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታትን ካልእ ንጥፈታትን ብክብ ዝበለ ሓበን ተዘኪራ።

ብደረጃ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ተሳተፍቲ ብናይ እግሪ ጉዕዞ ናብ መካነመቓብር ሓርበኛታት – ከባቢ ዖና ምስ ተኣኻኸቡ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ 20 ሰነ – ኣብ ትግባረ ሕድሪ ሰማእታትና ክሳብ ክንደይ ከምዝሰጐምና ነብስና እንሓተሉን፡ ቃልና ንዓጸፋ ስራሕ እነሐድሰሉን ዕለት ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዕለት፡ ንስለ ናጽነት ኣብ 1983ን 1988ን ኣብ ከባቢ ጁፋ ናይ ዝተሰውኡ ሓሙሽተ ሓርበኛታት ኣስከሬን፡ ብኽብሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ዓሪፉ።

ብደረጃ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ፡ ብ19 ሰነ ህዝቢን ተጋደልቲን ናብ’ቲ መዛግብ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ብምጒዓዝ፡ ንዝተሓልፈ ጽንኩር ኩነታትን ምርብራብን ዘብርህ መግለጺ፡ ኣብቲ ውዕሎ ብዝነበሩ ተጋደልቲ ክትረኽ እንከሎ፡ ነቲ ቅያ ዝተፈጸመሉ ቦታታት ዝሕብር ሰሌዳ ድማ ተተኺሉ።

ብ20 ሰነ ድማ፡ ኣዛዚ ምብራቓዊ ግንባርን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ፡ ህዝቢ ጊንዳዕን ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ ኣብ ባጽዕን ዝተሳተፉዎ – ናብ መቓብር ሓርበኛታት ጉዕዞ እግሪ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ናይ’ቲ ዕለት ቃል ኣስሚዑ።

ኣብ ከተማ ባረንቱ ብደረጃ ዞባ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዝኽረ-ሰማእታት ድማ፡ ህዝቢ ብሰልፍታት ሰራዊትን ባንድ ምረሻን ተዓጂቡ ክሳብ መቓብር ሓርበኛታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግንባር ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ፡ ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ዑስማን መሓመድ-ዓሊ ዝርከቡዎም ሰበ-ስልጣን፡ ኣኽሊል ዕንባባ ኣንቢሮም።

እቲ ስነ-ስርዓት፡ ንሞያ ሰማእታት ከምኡ’ውን ንዝኽሪ ሓበን ብዝገልጹ መሰናድኦታት ዝተሰነየ ነይሩ።

ብደረጃ ዞባ ደቡብ ኣብ ከተማ መንደፈራ – ብምትካል ፈልሲታት፡ ወፈራታት ጽሬት፡ ናይ ሽምዓ ሰልፊን ናይ እግሪ ጉዕዞን ዝተሰነየ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ፡ ጸሓፊት ህግደፍ ወይዘሮ ኣመተ ንጉሰን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ዝተሳተፉዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ኣብ በራኽ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታ ብናይ ምልውዋጥ ተመኵሮ መሰናድኦ ተዛዚሙ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብደረጃ ዞባ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተገብረ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልኦት ሰበስልጣንን ህዝብን፡ ብናይ ሰራዊት ሰልፊ ተመሪሖም ናብቲ ካብ ከተማ ዓሰብ ንሸነኽ ሰሜን 10 ኪሎ-ሜትር ርሒቑ ዝርከብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት፡ ናይ እግሪ ጉዕዞ ድሕሪ ምክያድ፡ ንክብሪ ስዉኣትን ሕድሮምን ዝገልጹ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ቀሪቦም።

Categories