ዝኸበርካ ሓው ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፤ ስድራ ሰማእታት ድማ ብፍላይ፤ 20 ሰነ እቶም ንምውሓስ ሃገርን ምዕቃባን ዝተሰውኡ ሰማእታት ኤርትራ ዝዝከረላ ዕለት እያ። ወናኒ ሃገር ምዃን ብዋጋ ደምን ኣዕጽምትን ሰማእታት እምበር ብኸምኡ ዝርከብ ኣይኮነን። ህንጸት ሃገርን ዕቃቤኡን ድማ ብኽብሪ ሰማእታት ይደምቕ። ናይ ትማሊ ሰማእታት ዝርስዕ ህዝቢ፡ ሎሚን ጽባሕን ጀጋኑ ኣይክህልዉዎን እዮም። ስለዝኾነ ድማ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ትማሊ ስዉኣትኩም ምኽባርኩም ግቡእን ረዚንን እዩ።

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ካልእ ተወሳኺ ድሙቕ ክብሪ እውን ኣለዋ። ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ምምጻእ ሓድሽ መሪሕነት ንዘቕረበቶ ጻውዒት ሰላም፡ ክቡር ፕረዚደንት ሓው ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝሃቦ ኣወንታዊ ምላሽ፡ እቲ ንዓመታት ደስኪሉ ዝነበረ ርክብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ክምለስን፡ ህይወት ክዘርእን ዘለዎ ተኽእሎ ንክልቲኦም ህዝብታት ዝተበሰረላ ዕለት እውን እያ። ስለዝኾነ፡ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ሕሉፍ መግደራን መስዋእትነትን ዝዝከረላ ዕለት ጥራይ ዘይኮነትስ፡ መጻኢ ተስፋታት ህዝቢታትና እውን ዝተበሰረላ ዕለት ተስፋ እያ።

ክብሪ ንሰማእታት ኤርትራ!

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ነዊሕ ዕድመ ንክቡር ፕረዚደንት ሓው ኢሳይያስ ኣፈወርቂ!

ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ

12 ሰነ 2011

Categories