ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ብ19 ሰነ ምሸት ሽምዓ ብምውላዕ ንሰማእታቱ ብሓበን ዘኪሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ከባቢ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ኮርፖረሽን ቴለኮሚኒኬሽን ዝተበገሱ ብባንድ ምረሻ ዝተመርሑ ሰልፈኛታት፡ ናብ’ቲ ሽምዓ ወሊዑ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ምስ ተጸንበሩ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ነቲ ዕለት ዝምልከት ቃል ኣስሚዑ።

ናይ ሎሚ ዓመት 20 ሰነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ተጻብኦታትን እገዳን ብጽንዓት መኪቱ፡ ናብ መድረኽ ሰላምን ምትሕግጋዝን ኣብ ዝኣተወሉን ፍረ ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋ ኣብ ዝሓፍሰሉን ዘሎ መድረኽ ትዝከር ብምህላዋ፡ ፍሉይ ርዝነት ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ንጀጋኑ ሰማእታት ብስራሕን ልምዓትን ንምድባስ፡ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ዓጸፋ ክንሰርሕ ተላብዩ።

ስነ-ስርዓት ሰልፊ ሽምዓ፡ ን20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ብዘንጸባርቕ ስነጥበባዊ መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ።

Categories