ኣብ ከተማ ዓሰብ፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ምምሕዳር ምስ ነጋዶ ብምትሕብባር፡ ልዕሊ 31 ሽሕ ናቕፋ ን11 ጽጉማት ስድራ-ስዉኣት ዓዲሉ።

ኣብ ከተማ ባጽዕ ብ18 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ኣባላት ህግደፍን ሃገራውያን ማሕበራትን – ሰለስተ ስድራ-ስዉኣት ንምእላይ ሓላፍነት ወሲዶም።

ነበርቲ ዓዲ-ባሪ – ንኡስ ዞባ መንደፈራ ብወገኖም፡ ብ18 ሰነ ናይ 16 ስድራ ስዉኣት ግራውቲ ብወፈራ ሓሪሶም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ እውን፡ ነበርቲ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ናይ ምግራብን ምትዕርራይን ስራሓት ኣካዪዶም።

ብተመሳሳሊ፡ ተቐማጦ ከተማ ዓዲ-ዃላን ኣብ’ታ ከተማ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝተሳተፉዎ – ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ልምዓታዊ ወፈራታት ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

Categories