ብኣጋጣሚ 20 ሰነ-መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን በጃ ዝሓለፉ ሰማእታትና፡ ትማሊ 19 ሰነ ጸሎተፍትሓትን ዱዓን ተኻዪዱ።

ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ከተማ ኣስመራ – ደብረ ሳህለ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ጸሎተ-ፍትሓት፡ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ዝርከቡዎም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሊቃውንቲ፡ ካብ ኩለን ኣድባራት ከተማ ኣስመራ ዝተዋጽኡ ለባስያን ውልደክህነትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ መእመናንን ጸሎቶም ኣዕሪጎም።

ሓላፊ ክፍሊ ስብከት ወንጌል መንበረፓትሪያርክ መሪጌታ ስምኦን በየነ፡ ነቶም መተካእታ ዘይብላ ሂወቶም ብምውፋይ ብርሃን ዝሃቡና ሰማእታትና ክንዝክሮም፡ ሕድሮም ብምጽናዕ ድማ ሓድነትናን ፍቕሪናን ከነደልድል ዝምዕድ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ካብ ሰዓት 4፡ 30 ኣብ መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ መደብ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት፡ ብዋና ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ተመሪሖም፡ ስለ’ቶም ናጽነት ዘጐናጸፉናን ልኡላውነትና ዘውሓሱን ጀጋኑ ሰማእታት፡ ደርስን ዱዓን ኣብጺሖም።

ሼኽ ሳልም፡ መዓልቲ ሰማእታት – መዓልቲ ሓበንን ምሕዳስ መብጽዓ ንትግባረ ሕድሮምን ምዃና ብምጥቃስ፡ ደቆምን ስድራ-ቤቶምን ምንባይ – ሓላፍነት ናይዞም ብመስዋእቶም ኣብ ዝተረጋገጸ ናጽነትን ሰላምን እንነብር ዘሎና ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

Categories