ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ሞት ወላዲኡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ዝለኣኾ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ብኣካል ኣብጺሑ።

ኣብ’ቲ ትማሊ 19 ሰነ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ርክብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ከምኡ’ውን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ እዋን ሓዘኑ ንዘርኣዩዎ ሕውነታዊ ናይ ምጽንናዕ መንፈስ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኣብ ኩሉ መዳያት ንምድንፋዕ፡ ብወገኑን ብወገን መንግስቱን ንዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፡ ከም ኣካል ሓምላይ ወፍሪ ከተማ ኣዲስኣበባ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤት-ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምትካል ፈልሲታት ስነ-ስርዓት ተሳቲፉ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት – ኣቶ የማነ ገብረኣብ ንማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ንተባዕ ስጒምቲ ናይ ክልቲኦም መራሕትን ድሌት ክልቲኡ ህዝብታትን ዘንጸባርቕ ምንባሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ድማ ብዙሕ ገስጋስ ከምዘርኣየ ኣብሪሁ።

Categories