20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ትማሊ ንግሆ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት – ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብልዑል ሓበን ተዘኪራ።

ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት ዝርከቡዎም፡ ብባንድ ምረሻን ዕንባባታት ዝሓዙ ተመሃሮን ተዓጂቦም፡ ካብ ጐደና ሰማእታት ክሳብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣካዪዶም።

ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ መደብ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣኽሊል ዕንባባ ኣንቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሰማእታትና፡ ብጅግንነቶምን ዝኸፈሉዎ ክቡር ሂወትን፡ ንጸጋታትን ሓይሊን እዛ ሃገር ኣራቢሖም፡ ነቲ ዝመጣጠን ዘይመስል ዝነበረ ናይ ጉልበት ምዕሪት፡ ንረብሓ ናጽነት ክዉን ከምዝገበሩ ጠቒሱ፡ ድሕሪ ናጽነት እውን፡ ልኡላውነት ንምውሓስ ዳግም ዘረጋገጹዎ ቅያ፡ ኣብ ሃገራዊ ታሪኽ ህላዌናን ገስጋስናን መዘና ከምዘይርከቦ ገሊጹ። (ምሉእ ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ገጽ 3 ረአ)

እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ንውዕሎ ጀጋኑ ሰማእታትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰማእታቱ ዘለዎ ክብሪን ብዘንጸባርቕ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ።

Categories