ኣብ ኣቦ – ንኡስ ዞባ ደቡብ ደንካልያ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት፡ ኣብ ትካል ጥዕና ናይ ዝሓርሳ ኣዴታት ቊጽሪ፡ ዕብየት ከምዘመዝገበ ሞያውያን ሓቢሮም።

ኣባል መደበር ጥዕና ኣቦ መንእሰይ ሔሮ ሑመድ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ጥዕና ንምስፋሕን ተጠቃምነቱ ንምዕዛዝን ኣብ’ታ መደበርን ካብኣ ወጻኢ እናተንቀሳቐሱን ዘካይዱዎ ጐስጓሳት፡ ኣብ ነበርቲ ናይ ባህሪ ለውጢ የምጽእ ከምዘሎ፡ ሰሙናዊ ዝካየድ ወፈራዊ ስራሓት እውን፡ ኣብ ምግታእ ሕማማት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ነብሰ-ጾራት፡ ቅድሚን ድሕሪን ሕርሲ ሕክምናዊ ክትትል ከዘውትራ ንዝወሃበን ሞያዊ ምኽሪ የተግብራኦ ብምህላወን፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ’ታ ትካል ናይ ዝሓረሳ ቊጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ 180 ሚእታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ ሓቢሩ።

መንእሰይ ሔሮ፡ ህዝቢ ኣማዕቢሉዎ ዘሎ ልዑል ተጠቃሚነት ኣብታ መደበር ክቕጽሎ ብምልባው፡ ንህጻነት ዝወሃብ ክታበት ኣገዳስነቱ ርዱእ ስለዝኾነ፡ ደቆም ብስሩዕ ከኽትቡ ኣዘኻኺሩ።

መደበር ጥዕና ኣቦ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሓርሲለን ኣቦኪሎማን ንዝርከባ ዓዲታት ኣቦ፡ ሓርሲለ፡ ኪሎማ፡ ዓስቦል፡ ዒሰይታ፡ መርገብላ፡ ባድላ ዔላ፡ ዒዩሉ፡ ጋውራን ኣንዳዓለን ተገልግል።

Categories