ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምዕቃብ ሰላምን ጸጥታን ንምዕዛዝ ዝዕላማኡ፡ ካብ 15 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ መንእሰያት ዝተሳተፉዎ ዓውደ-ዘተ፡ ብ10ን 11ን ሰነ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ኣስማራፓላስ ተኻዪዱ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ክፍሊ ጠረጴዛታት ኣቶ ኢብራሂም ዑስማን፡ ቴማን ዕላማን ናይ’ቲ ርክብ፡ ነዚ ብግጭታት ክሳቐ ዝጸንሐ ዞባና ኣገዳሲ ምዃኑ፡ መንእሰያት ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ርግኣትን ወሳኒ ግደ ስለዝህልዎም ድማ፡ ንመንእሰያት’ዚ ዞባ ናብ ሓደ መረዳእታ ዘብጽሕ ናይ ዘተ መኣዲ ምውዳብ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

“ብውህደት ምስራሕ ዘላቒ ዓወት የምጽእ” ዝበለ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሓላፊ ምክልኻል ግጭትን ቅድመ-መጠንቀቕታን ኣምባሳደር ፍረድ ንጎጋ፡ እቲ ኣጋጣሚ ተሳተፍቲ ኣብ ሃገራቶም ንሰላምን ጸጥታን ዝጉስጉስ ውዳበታት ክመርሑን፡ ተመኲሮታቶምን ኣፍልጦኦምን ክለዋወጡን፡ ባይታ ዘርሑ ዕድል ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣፈታትሓ ግርጭታት፡ ስርሒታት ደገፍ ሰላም፡ መደባት ልምዓትን ዳግመ-ህንጻን ድሕረግርጭታት፡ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ዶብሰገር ውዱብ ገበናት፡ ቀርሰናን ጸጥታ ባሕሪን፡ ጐነጽን ጥሩፍነትን፡ ፖሊሲታት ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ብዝዕባ መንእሰያት ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት መግለጺታት ቀሪቦምን ዘተ ተኻዪዱሎምን።

ተሳተፍቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቀቢላውን ካልእን ፍልልያት ብዝጠንቁ ቀጻሊ ግጭት ክሕመሳ ከምዝረኣያ ጠቒሶም፡ እተን ሰላምን ርግኣትን ዝዓቀባ ሃገራት፡ ብኸመይ መንእሰያተን ካብ ጸቢብ ኣጠማምታ ኣውጺአን ንሰላምን ርግኣትን ብሓላፍነት ከምዝሰርሑ ከምዝገበራ፡ ተመኵሮአን ብምክፋል ንራኢ ‘ኣፍሪቃዊ ውህደት’ ክዉን ኣብ ምግባር ዝሕግዝ ስነ-ሓሳባት ምስፍሕፋሕ ከምዝከኣል እምነቶም ገሊጾም።

Categories