ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣንቶረ – ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ፡ ርሑቕ ተጓዒዞም ዘምጽኡዎ ዘለዉ ጽሬቱ ዘይተዋሕሰ ማይ፡ ኣደዳ ማይ-ወለድ ሕማማት ይገብሮም ብምህላዉ መረረኦም ኣስሚዖም።

ዝተዋደደሎም ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክት – ንዝተወሰነ እዋን ድሕሪ ምግልጋል፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ትሕተባይታዊ ማይን ብዝሒ ተገልገልትን፡ እኹል ማይ ከመንጩ ብዘይምኽኣሉ ሕጽረት ኣጋጢሙዎም ከምዘሎ ብምሕባር፡ ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ከናዲ ሓቲቶም።

እቲ ሽግር፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሂወቶም ብሓፈሻ፡ ኣብ ተመሃሮን ደቂ-ኣንስትዮን ከኣ ብቐንዱ ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ ምህላዉ ብምዝኽኻር፡ ንምፍትሑ ኣብ ዝካየድ ስራሕ እጃሞም ከበርክቱ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ኣንቶረ፡ ኣቶ ጐይትኦም ጸጋይ፡ እቲ ዝጸንሐ ፕሮጀክት – ብሰንኪ ዋሕዲ ትሕተባይታዊ ማይ፡ ንመዓልቲ ካብ 200 ጀሪካን ንላዕሊ ክዕድል ከምዘይክእል፡ ነበርቲ ዓድታት ተከዙን ሊባንን ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ምስ ምጥርናፎም ድማ፡ ጠለብ ነበርቲ ከምዝሓኾረ ብምሕባር፡ ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዩ።

Categories