ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ግብጺ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ሰንበት 9 ሰነ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲን ብ8 ሰነ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታትን ካልኦት ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያትን ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ኣብ ህሉው ምዕባለታት ሱዳን ዘለዎም ስክፍታታት ብምግላጽ ከኣ፡ ህዝቢ ሱዳንን እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ነዚ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክሕዙዎን፡ ንግዳማዊ ምትእትታው ቦታ ክኸልኡን ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ‘ኣልእትሓድያ’ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ወግዓዊ ኣቀባብላ፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊን ሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ግብጺን ዝተሰነየ ነይሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓቢሮም ተጓዒዞም ነይሮም።

Categories