ኤርትራውያን ነበርቲ ዱባይ፡ ኩወይትን ሪያድን በዓል ናጽነት ሃገሮም ብምዕሩግ ኣገባብ ጸምቢሎም።

ብ6 ሰነ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣቶ ዑስማን መሓመድዑመር፡ ኣብ መፋርቕ 2018 ዝተኸስተ ትስፉው ሃዋህው፡ ፍረ ጽንዓትን መኸተን ህዝቢን መንግስትን ኤርትራ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እቲ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተሳተፍዎ ጽምብል፡ ብህዝባዊ ጓይላ ደሚቑ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኩወይት ዝወደብዎ፡ ዲፕሎማሰኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ዝተሳተፍዎ ጽምብል ድማ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣቶ ሑመድ ያሕያ ሓሊ፡ ህዝቢታት ናይ’ዚ ዞባ፡ ብሰንኪ ኲናትን ዘይርጉእ ዝምድናታትን ንዝሓለፎም ዕድላት ንምትካእ – ተላዒሎም ምርኣይ ኣዝዩ ዘሐጒስ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጽምብል፡ ካብ ኤርትራ ዝኸደት ጉጅለ ባህሊ ብዘቕረበቶ መሰናድኦ ዝተሰነየ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሪያድን ከባቢኣን – ስዑዲ ዓረብ እውን፡ ብ6 ሰነ ብልዑል መዓርግ ጸምቢሎም።

ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲያ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄር፡ ኣብዚ ተኣትዩ ዘሎ መዋእል ሰላም – መደባት ሃገራዊ ልምዓት፡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ሸቶኡ ከምዝወቅዕ እምነታ ገሊጻ።

እቲ በዓል፡ ንመንእሰያትን ዓበይትን ብዘሳተፈ መሰናድኦታት፡ ብተመሃሮ ኣህጉራዊ ቤት-ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ርያድ ብዝቐረበ ምርኢት ኣልባሳት ብሄራትና፡ ስፖርታዊ መደባትን ህዝባዊ ጓይላን ከምዝደመቐ ተፈሊጡ።

Categories