ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ግብጺ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ ቀዳም 8 ሰነ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ናብ’ታ ሃገር ገይሹ።

ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ቤተመንግስቲ ‘ኣልእትሓድያ’ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ወግዓዊ ኣቀባብላ፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊን ሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ግብጺን ዝተሰነየ ነይሩ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲሲን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ምዕባለታትን ካልኦት ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያትን ዘትዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲሲን፡ ኣጠቓላሊ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ንምድልዳል፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብሓፈሻ ምትሕብባር ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ድማ ብፍላይ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ህልው ምዕባለታት ሱዳን ዘለዎም ስክፍታታት ብምግላጽ፡ ህዝቢ ሱዳንን እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ነዚ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክሕዝዎን ንግዳማዊ ምትእትታው ቦታ ክኸልኡን ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ’ዚ ናይ ሪፓብሊክ ግብጺ ዑደቱ፡ ምስ ካልኦት ሰብ-መዚ’ታ ሃገር እውን ተመሳሳሊ ርክባት ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories