ኣብ 2004 ብማሕበር ዝተጠርነፉ ‘ኤርትራውያን ተመለስቲ ዓዲ-እንግሊዝ’፡ ኣብ ምዕራይ መስመራት ማይን ረሳሕ ፈሳስን ከተማ ኣስመራ ንዝነጥፉ ዘለዉ ሰራሕተኛታት፡ ናይ ምሳሕ እንግዶት ብምውዳብ ኣተባቢዖምዎም።

እቶም ዜጋታት ነቲ መደብ ዝወደቡ፡ ነቶም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮም ኣብ ከባቢ ማይ-ኣባሻውል ሻምብቆታት ረሳሕ ፈሳሲ ኣብ ምቕያርን ካናለታት ኣብ ምጽራግን ዝርከቡ ኣባላት ፕሮጀክታት ዓዲ-ሃሎ፡ ክፍሊ ማይ ዞባ ማእከልን ኩባንያ ኣስቤኮን ንምምስጋን እዩ።

እቶም ኤርትራውያን ተመለስቲ በቲ ኣጋጣሚ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ንምፍታሕን ጽሬት ከተማ ኣስመራ ንምሕላውን ዝካየድ ዘሎ ስራሓት ንኢዶም።

ሰራሕተኛታት ብወገኖም፡ ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተመሳሳሊ እንግዶት እናገበረ ከተባብዖም ምጽንሑ ብምሕባር፡ ንኹሎም ምስጋና ኣቕሪቦም።

Categories