ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ዞባታት ጋሽባርካ፡ ስድራ ስዉኣትን ጽጉማትን ተጠርኒፎም ኣብ ልምዓት ጀራዲን ብምስታፍ መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ብመልክዕ ፕሮጀክት ዝተታሕዘ መደብ፡ ጽቡቕ ኣንፈት ሒዙ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ብመኸተን ልምዓትን ምዕራባዊ ዞባ ዝእለ ዘሎ ናይ ልምዓት መደብ፡ ከም መበገሲ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ፎውሊና – ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ቢምቢናንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ዓናጉሉ – ንኡስ ዞባ ባረንቱን ተኾምብያ – ንኡስ ዞባ ላዕላይ ጋሽን ዝሰላሰል ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲወከፈን 20 ዜጋታት ተመምዮም፡ ኣብ 10 ሄክታር ንጥፈታቶም ኣበጋጊሶም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ካብ ኣካያዲት ኮሚተ እቲ መደብ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ፡ እቲ ብድምር ንኣስታት 80 ስድራ ስዉኣትን ጽጉማትን ተጠቀምቲ ዝገብር ናይ 40 ሄክታር ፕሮጀክት፡ መንግስቲ መሰረታዊ ናውቲ ብምምላእ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ድማ ናይ ቆጥቋጥ፡ ምምድማድን ምዅዓት ዒላታትን ኣበርክቶ ብምግባር ከምዘበገሱዎ ገሊጹ።

እቲ ብጽቡቕ ኣንፈት ጀሚሩ ዘሎ ስራሕ፡ ኣብ ቀጻሊ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ዝሰፍሕ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ፍራንኮ፡ ተጠቀምቲ ነቲ ብመንግስቲ  ተገይሩሎም ዘሎ ደገፍ ከም መበገሲ ወሲዶም ዝያዳ ክጽዕሩ ኣዘኻኺሩ።

በቲ መደብ መሰረት፡ ናይ ከባቢ ቢንቢናን ተኾምብያን ድሮ ብንኡስ መጠን ክጅመር እንከሎ፡ ናይ ፎውሊናን ዓናጉሉን ድማ፡ ስርሓት ቆጥቋጥ፡ ምምድማድን ምዅዓት ዒላታትን ተኻዪዱሉ ኣብ ምጅምማር ከምዝርከብ ተፈሊጡ።

ኣብ ናይ ሎሚ-ዓመት ክራማት፡ ኣብ ኣርባዕቲኡ ፕሮጀክታት ዕዉት ክረምታዊ ሕርሻ ክካየድ ምእንቲ፡ ናይ ዘርእን ትራክተርን ሓገዝ ከምዝግበረሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Categories