ነበርቲ ዓድታት ሓዲ-ሓዮ፡ ዓዲሸረፈቶን ዓዲ-ጽንዓይን – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ብፕሮጀክት ዓዲ-ሃሎ መሰረታዊ ጽገና ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ 8 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ሽከቲ – ዓዲ-ሸረፈቶ፡ ወፈራዊ ስራሓት ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ብደገፍ ማሽነሪ ዝሰላሰል ዘሎ ናይ ጽገና መደብ፡ እቶም ነበርቲ – ካናለታት ምስራሕን ፍግረ-መሬት ምፍዋስን ዘጠቓለለ ስራሓት እዮም ዘካይዱ ዘለዉ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ሸረፈቶ ኣቶ መብራህቱ ገብረክርስቶስ፡ መንግስቲ ነዚ መስመር’ዚ ቈላሕታ ሂቡ መሰረታዊ ጽገና ክገብረሉ ንዝወሰዶ ተበግሶ ድሕሪ ምንኣድ፡ ኩባንያ መጐዓዝያ ሓራት መስመር ከፊቱ ጸገሞም ክፈትሓሎም ተላብዩ።

ነበርቲ፡ ብሰንኪ ዘይጥጡሕ ጽርግያ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክጽገሙ ምጽንሖም ብምሕባር፡ ጸገማቶም ምስ ምጽጋን’ቲ ጽርግያ ነበረያ-ነበረ ክኸውን እምንቶም ገሊጾም።

Categories