ቀረብ ማይ ሰብን ጥሪትን ዓድታት ካርካሻ፡ ቴካናባን ኡጉሙን ከተማልእ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ትህነጽ ዘላ ዲጋ ብኣጋ ንምዝዛም፡ ነበርቲ እተን ዓድታት ጉልበቶም ኣወሃሂዶም ኣድማዒ ስራሕ ይዓሙ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ተጸዋዒ ዲጋታትን መእለዪ ወሓይዝን ኣቶ ጉርጃ ወረደ፡ እታ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ካርካሻ ትህነጽ ዘላ ዲጋ፡ ልዕሊ 5 ኪሎ-ሜተር ማይ-ክዖን ልዕሊ 8 ሜትሮ ንውሓትን ከም ዘለዋ ገሊጹ። ልዕሊ 84 ሽሕ ሜተር ክዩብ ማይ ናይ ምውህላል ዓቕሚ ከም ዘለዋ ብምሕባር ከኣ፡ ነበርቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሮም ብጋንታታት ተወዲቦም ይነጥፉ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖ፡ እቲ ስራሕ፡ ኣካል ናይ’ቲ ንሰብን ጥሪትን ዘገልግል ምንጪ ማይ ንምውሓስ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ቲ ንኡስ ዞባ ዝትግበር ዘሎ መደባት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ነበርቲ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ወፈራታት የካይዱ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

Categories