ቤት-ትምህርቲ መባእታዊ ሞያዊ ስልጠናታት ጊንዳዕ፡ ብዝተፈላለየ ጸገማት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንዘቋረጹን ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎምን 47 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም 106 መንእሰያት ብዝተፈላለየ ዓውድታት ብ7 ሰነ ኣመሪቓ።

እቲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ዓውድታት ስነ-ህንጻ፡ ምዝርጋሕን ምጽጋንን መስመራት ማይን ኤለክትሪሲቲን፡ ከምኡ’ውን ኤለክትሮኒክስን ኮምፕዩተርን ዘጠቓለለ እዩ።

ሰልጠንቲ፡ ንወርሒ 600 ናቕፋ እናተኸፍሉ ከምእተማህሩ እውን ተሓቢሩ።

ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ዓብደላ ሕዱግ፡ ዕላማ’ቲ ስልጠና፡ ነቶም ብማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝረሓቑ ዜጋታት፡ ሞያ ኣዕጢቕካ ነብሶምን ስድራቤቶምን ዝሕግዙሉ ባይታ ንምጥጣሕ ከምዝኾነ ገሊጹ።

በዚ ኣብ 2017 ኣብ ባጽዕ ዝፈለመ መባእታዊ ሞያዊ ስልጠና፡ ዛጊት 165 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 331 ሰልጠንቲ ተመሪቖም ከምዘለዉ’ውን ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ትምህርቲ ንዓበይትን ሚድያን ኣቶ ገብረዝጊ ድማም፡ ስልጠና ካብቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም መደባት ምዃኑ፡ ነዚ ከኣ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናብ መላእ ኤርትራ ንምስፍሑን ንምሕያሉን ምስ ኩሎም መሻርኽቱ ብምዃን ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ኣረዲኡ።

Categories