ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገራት ስካንዲነቭያ – ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ዴንማርክን ፊንላንድን፡ መዓልቲ ናጽነት ሃገሮም፡ ብውዕዉዕ ሃገራዊ ወኒን ድምቀትን ኣብዒሎም።

እቶም ዜጋታት፡ ኣብ ከተማታት ስቶክሆልም፡ ኦስሎ፡ ኮፐንሃገን፡ ዮቶቦሪ፡ ኡረብሩ፡ ኡምዮ፡ ስካራ/ሊድሾፒንግ፡ ኡፕሳላ፡ ኩንግስኦር፡ ኖርበሪ፡ ስታቫንገር፡ በርገን፡ ክሪስትያንስታድ፡ ትሮንድሃይም፡ ሄልሲንኪን ካልኦትን፡ ነታ ዕለት – ርዝነት ትርጉማ ብዘንጸባርቕ ባህላውን ስፖርታውን መሰናድኦታት ጸምቢሎምዋ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲነቪያ፡ ኣቶ ዮናስ ማና፡ በዓል ናጽነት፡ ውጽኢት ጽንዓትን መስዋእትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዓቃል መሪሕነቱን ኣብ ዝሕፈሰሉ ዘሎ እዋን ይበዓል ምህላዉ በቲ ሓደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱን ልኡላውነቱን ንምውሓስ ብቕዓቱ መሊሱ ኣብ ዘመስከረሉ ድማ በቲ ካልእ ይበዓል ምህላዉ – ፍሉይ ድምቀትን ርዝነትን ከምዝወሰኸሉ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ መድረኽ በዓል ናጽነት፡ ብፍላይ ንመንእሰያት ናይ ምትእኽኻብን ምውርራስን ባይታ ምዃኑ ገሊጾም። ንዓወት መድረኻዊ ተልእኾታት ድማ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም።

Categories