ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ – ምምሕዳር ከባቢ ሮብሮብያ እትርከብ መደበር ጥዕና፡ ንቕሓት ነበርቲ ክብ ኣብ ምባል ብሓፈሻ፡ ምውሓስ ጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን ከኣ ብቐንዱ ዕዙዝ ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ ተገሊጹ።

እታ መደበር ጥዕና፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ እትህቦ ኣገልግሎት፡ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ሕማማትን ተጠቃምነት ዘመናዊ ሕክምናን ክብ ንምባል እውን ጐስጓሳት ከም እተካይድ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ተርእዮ ሕማማት ከምኡ’ውን መጠን ሞት ኣደን ዕሸልን እናነከየ ከምዝመጸ ሓቢሮም።

ተሓጋጋዚ ነርስ ማሕሙድ ሳልሕ፡ ኣብታ መደበር ጥዕና፡ ሳላ ቀጻሊ ጐስጓሳት፡ ቁጽሪ ተገልገልቲ እናዛየደ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ጽበት ክፍልን ሕጽረት መሳርሒታትን ብኣጋ ፍታሕ ክናደየሉ ኣዘኻኺሩ።

መደበር ጥዕና ሮብሮብያ – ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ንምምሕዳራት ከባቢ ማሕፊድ፡ ዓረብቶን ሩባ ሓዳስን ተገልግል።

Categories