ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ መፈለምትኡ ንኣፍሪቃን ሃንቀውታ ህዝብታታን ዕዳ ምዃኑ፡ ንዕረይኡ ዝተሃቀነ ጻዕሪታት ዛጊት ከምዘይሰመረ’ውን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።

እቲ ዝያዳ ዘሰክፍ ግን፡ ድኻማቱ ዘይኰነ፡ ንናይ ግዳም ምትእትታዋት፡ ምስምስን ሽፋንን ምዃኑ’ዩ።

ናይ ቀረባ ቀሊል ኣብነት፡ ኣብ ምዕባለታት ሱዳን ከርእዮ ዝጸንሐ ተዋስኦ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ “ንኩነታት ሱዳን ኣጋፊሕኩም ካብ ምትሕልላኽ፡ ኣእዳውኩም ኣርንቡ” ይብል።

ሚኒስትሪ ዜና

ኣስመራ – 5 ሰነ 2019

Categories