ዒድ ኣልፈጥር ኣልሙባረክ ናይ ዓመተ 1440 ሂጅርያ፡ ትማሊ 4 ሰነ ኣብ ኣስመራ – ሜዳ ባሕቲ መስከረም ብክብ ዝበለ መዓርግ ተኸቢሩ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ምስልምናን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ስነ-ስርዓት ሰላት ዒድ ተኻዪዱ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራ ሸኽ ሳልም ኢብራሂም ሳልም ኣብ ዘስምዕዎ ኹጥባ፡ ሓጐስ ዒድ ምሉእ ሓጐስ ምእንቲ ክኸውን፡ ንዘኽታማት ከነሐጒስ፡ ንዝሓመሙ ክንበጽሕን ከነጸናንዕን፡ ከምኡ’ውን ንዝተጸገሙ ክንረድእን ይቕረ ክንበሃሃልን ከምዝግባእ ኣስተምሂሮም።

ኣብ’ቲ ካብ ሰዓት 6፡30 ንግሆ ዝጀመረ ስነ-ስርዓት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ሰላት ዒድ ድሕሪ ምስጋድ፡ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን ተለዋዊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትማሊ ብምኽንያት ዒድ-ኣልፈጥር ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ሚኒስትሪ መጐዓዝያን መራኸቢታትን፡ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ – ኣስመራ ብባህላዊ መደብ ዝማዕረገ ህዝባዊ በዓል ተኻዪዱ።

ኣብቲ ሚኒስተር መጐዓዝያን መራኸቢታትን ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ህግደፍን፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖትን ብኣማኢት ዝቚጸሩ ዕዱማትን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ብስም ኣወሃሃዲት ኮሚተ ናይ’ቲ በዓል ቃል ዘስምዐ ኣቶ ተኽልያ ኢሳቕ፡ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ ኤርትራ፡ መርኣያ ሓድነት፡ ስኒትን ምንብባርን ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ንክልተ ሰዓታት ዝቐጸለ መደብ፡ ጉጅለ ባህሊ ቢሻ ብዘቕረበቶ መሰናድኦ ደሚቑ ነይሩ።

Categories