ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ከሰላ – ሱዳን፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ኢብራሂም እድሪስን ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ሜጀር ጀነራል ማሕሙድ ባብክርን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ28 ግንቦት በዓል ናጽነት ብልዑል መዓርግ ጸምቢሎም።

ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝተሳተፍዎ ጽምብል፡ ኣቶ ኢብራሂም – ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነት፡ ኣብ ትስፉው መድረኽ ይበዓል ምህላዉ፡ ፍሉይ መቐረት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ሽርክነታዊ ጽምዶን ምትሕግጋዝን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕባይን ርግኣት ዝሰፈኖ ጎዶቦ ንምህናጽን ዝተጀመረ ጉዕዞ፡ ብዝለዓለ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ – ሱዳን ሜጀር ጀነራል ማሕሙድ ባብክር፡ ኣብ ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ምስታፉ ዝተሰመዖ ሓበን ድሕሪ ምግላጽ፡ በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽን ትስፉውን መዋእል፡ ታሪኻውን ህዝባውን ሕውነታዊ ዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን ንምድልዳልን ንምምዕባልን ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመትን መንፈቕን ስራሕ ኣቋሪጹ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ከሰላ፡ ኣብቲ ዕለት ዳግም ተኸፊቱ ስሩዕ ንጥፈታቱ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ኦታዋ – ካናዳ፡ በዓል ናጽነቶም ብልዑል መዓርግ ጸምቢሎም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ጽምብል ናጽነት ኪኖ ድግስ – መብጽዓና ንትግባረ ሕድሪ ሰማእታት እነሐድሰሉ ዕለት ክኸውን ከምዝግብኦ ኣገንዚቡ።

Categories