ኤርትራውያን ነበርቲ ለንደን – ዓባይ ብሪጣንያ፣ ናንት፡ ሬነን ኤንጀንን – ፈረንሳ፣ ካምፓላን ከባቢኣን – ኡጋንዳ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገሮምን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘትዮም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ብ1 ሰነ ኣብ ለንደን ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚሰብ፡ ሕርሻ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ምምዕባል ትሕተ-ቅርጽን ተታሒዞም ዘለው መደባት ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ።

ነዚ ብቐንዱ ፍረ መስዋእትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ትስፉው መድረኽ፡ ናብ ናይ መወዳእታ ሸቶኡ ንምብጻሕ፡ ንቕሓት ብምብራኽን ውዳበታት ብምስጣምን ክስራሕ ከምዝግባእ ድማ ኣገንዚቡ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ወይዘሮ ሃና ስምኦን፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ከተማታት ናንት፡ ሬነን ኤንጀን ብ1 ሰነ ኣብ ዝገበረቶ ሰሚናር፡ ኣብ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ከምኡ’ውን ሰላምን ሽርክነትን ኣብ መንጎ ሃገራት ዞባና ዝያዳ ንምዕዛዝ ኣብ ዝሰላሰሉ ዘለው መደባት መብርሂ ሂባ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ መሓመድ ሱሌማን፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንዘርኣይዎ ጽኑዕን ዓቃልን መኸተ ድሕሪ ምዝካር፡ እዚ ባህልን ክብርታትን’ዚ፡ ራኢና ንምጭባጥ ወሳኒ መሳርሒ ምንባሩ ኣስሚሩሉ።

Categories