ኤርትራውያን ነበርቲ ቤልጁም፡ ኖርወይ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዛምብያን፡ በዓል ናጽነቶም ብድምቀት ጸምቢሎም።

ተቐማጦ ብራስለስ ኣብ ዘካየድዎ ጽምብል፡ ጽንዓት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብዘረጋገጾ ዓበይቲ ዓወታት – ዝስመዖም ሓበን ብምግላጽ፡ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ንምዕዋት ግቡኣቶም ንምፍጻም ድልውነቶም ኣረጋጊጾም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣቶ ነጋሲ ካሳ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣትይዎ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ሓድሽ መዋእል፡ ብቐንዱ ፍረ ጽንዓትን መስዋእትነትን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ፡ ነዚ ታሪኻዊ ቃልስን ዝተመዝገበ ዓወታትን ብመደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ንምንጽብራቑ ድማ፡ ብዝለዓለ ክስራሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ነበርቲ ትሮንድሃይም – ኖርወይ ዘካየድዎ ጽምብል ድማ፡ ብቐንዱ – መንእሰያት ተመሃሮ፡ ኣብ ትምህርቶም ብሉጻት ኮይኖም፡ ብዘጥርይዎ ክእለትን ሞያን ኣብ መደባት ልምዓት ሃገሮም ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝ ብዝድርኽ መደባት ከምእተሰነየ ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ፡ ተቐማጦ ቴነሲ – ናሽቪል ከምኡ’ውን ፈኒክስ – ኣሪዞና – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብውዕውዕ ሃገራዊ መንፈስ ጸምቢሎምዎ።

ብኻልእ ወገን፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ዛምብያ፡ ጥርናፈኦምን ውዳበኦምን ብዘንጸባርቕ ኣገባብ ከም ዝጸምበልዎ ተሓቢሩ።

Categories