መበል 15 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ኣኼባን 3ይ ፍሉይ ኣኼባን ወነንቲ ብርኪ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ ትማሊ 1 ሰነ ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ተቓኒዑ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ኮርፖረሽን ኣቶ ዘርኡ ወልደሚካኤል ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፡ ንኩነታት ሓደጋታትን መድሕንን ኣብ ዓመተ 2018 ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ናይ መድሕንን ዳግመ-መድሕንን ትካላት ዝለዓለ መኽሰብ ዘኻዕበታሉ ዓመት ምንባሩ፡ ሃገራዊ መድሕን ኮርፖረሽን ኤርትራ’ውን 96.7 ሚልዮን ናቕፋ መኽሰብ ከምዝረኸበ፡ እቲ 87.9 ሚልዮን ናቕፋ ካብ’ዚ ድማ ናብ ወነንቲ ብርኪ ክመቓራሕ ብመገዲ ቦርድ ተኣሚሙ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣቦ-መንበር ቦርድ ዳይረክተራት ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ ኣቶ ግርማይ ገብረመስቀል ብግደኡ፡ ንተገዳስነትን ተሳታፍነትን ወነንቲ ብርኪን ሕጋውያን ወኪላቶምን ብምምስጋን፡ እቲ ኣኼባ – ከም ወትሩ ንኣሰራርሓ ዘጽፍፍ ዘተ ብምእንጋድ፡ ደረኽቲ ሓሳባት ከምዘመንጩ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ፋይናንሳዊ ጸብጻብ፡ እቲ ኮርፖረሽን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝገብሮም ወፍርታት ብመንጽር ዘለዉ ዕድላትን ብድሆታትን፡ ጸብጻብ ቦርድ፡ ከምኡ’ውን ገስጋስ ናይ ሂወት መድሕን ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት መግለጺታት ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ቦርድ ኣብ መመሓደሪ ሕጊ ኮርፖረሽን ክግበር ዝኣመሞ ከፊላዊ ለውጢ፡ ብወነንቲ ብርኪ ክጸድቕ እንከሎ፡ ኮርፖረሽን ጸብጻባቱ ንወነንቲ ብርኪ ብምቕራብ ኣብ ስርሑ ዝሕግዙዎ ውሳነታት ከምዘሕለፈ፡ ጸሓፊ ቦርድ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ ኣቶ ኣሌክሳንደር ዘሚካኤል ንኤሪና ሓቢሩ።

ኣብ 1992 ብመንግስቲ ኤርትራ ዝቘመ ሃገራዊ ኮርፖረሽን መድሕን ኤርትራ፡ ኣብ 2004 ንዜጋታት 44 ሚእታዊት ካብ ብርኪታቱ ከምዝሸጠ ሰነዳቱ የነጽሩ።

Categories