ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ብዓውድታት በረራ ዝተፈላለያ ዓይነት ነፈርቲ፡ ቴክኖሎጂ ነፈርቲ፡ ምክልኻል ሚሳይላት ነፈርትን ስርዓተ-ራዳርን፡ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለዩ ሞያታት ኣቭየሽን ዘሰልጠኖም 250 ኣባላቱ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ ስነ-ስርዓት፡ ትማሊ 31 ግንቦት ኣመሪቑ።

ኣብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ተመረቕቲ – ካብ ኢድ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወረቐት ምስክርን መለለዪ ኣርማ ሓይሊ ኣየር ኤርትራን ተቐቢሎም።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ፡ መንእሰያት ሰልጠንቲ ብዝቐሰሙዎ ሞያ ንሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝፈጥሩሉ ዓቕሚ ብቐሊል ከምዘይጥመት ብምግላጽ፡ ሰልጠንቲ – እናሻዕ ብዝምዕብል ሞያዊ ብቕዓት፡ ብትግሃትን ተወፋይነትን ዋሕስ ሰማያት ሃገሮም ከምዝኾኑ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ሓላፊ ክፍሊ ትምህርትን ሓበሬታን ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ኮሎኔል ዘርእዝጊ ክፍላይ፡ ሰልጠንቲ ብሓፈሻ ምስ በረራን ምክልኻል ሚሳይላት ነፈርትን ዝተኣሳሰር ስልጠናታት ከምዝቐሰሙ ብምሕባር፡ ብዘለዎም ቅልጡፍ ናይ ምቕባል ዓቕምን ብውህደት ናይ ምስራሕ ብቕዓትን፡ ድምር ሓይሊ ብምዃን ንሓይሊ ኣየር ኤርትራ ከጐልብቱ እምነቱ ገሊጹ።

ተመረቕቲ፡ ዝተዋህቦም ትምህርቲ ብብቕዓት ሓሊፎም ኣብ መመረቕታ ምብጽሖም ዝተሰመዖም ሓጐስ ድሕሪ ምግላጽ፡ በብዓውዶም ብቕዓቶም ብስራሕ ከመስክሩ ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጾም።

Categories