ሂላል ወርሒ ሸዋል፡ ሰኑይ 3 ሰነ ክትሰርቕ ትጽቢት ይግበር። ስለ’ዚ፡ ኩሎም ኣመንቲ ምስልምና፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ሂላል ወርሒ ሸዋል ከቋምቱ ይግባእ። ምውጻኣ ዘረጋገጸ ድማ፡ ቃል ምስክርነቱ ንዝቐረበ ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእ ወይ ባይቶ ኣውቓፍ ክህብ ይሕተት።

ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሸዋል ሰኑይ 3 ሰነ ምስ ዝረጋገጽ፡ ዒድ ሰሉስ 4 ሰነ ይኸውን። ምስ ዘይረጋገጽ ግና፡ ሰሉስ ከም መዛዘሚት ወርሒ ሮሞዳን ተቘጺራ፡ ዒድ ረቡዕ 5 ሰነ ይኸውን።

ርሑስ ዒድ ኣልፈጥር!

ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን

Categories