ኣቦ-መንበር ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን ሌተና ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ፕረዚደንት ማላዊ ኣርተር ሙታሪካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣውስትራልያ ሰር ፒተር ኮስግሮቭን ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መልእኽታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

ብተመሳሳሊ፡ ወራስ ዓራትን ቀዳማይ ምክትል ኣቦ-መንበር ባይቶ ሚኒስተራትን ንግስነት ባሕሬን ሳልማን ቢን ሓመድ ኣልኸሊፋ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሮማንያ ትዮዶር ሜለስካኑን፡ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ምትሕግጋዝን ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ሰዲዶም ኣለዉ።

Categories