ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ንሓውሲከተማ ኰዓቲት ከምኡ’ውን ዓድታት ምርጋጽ፡ ማዕዶ ሩባ፡ ዓደፈርቲን ዓዲ ዕጥቀትን ከገልግል ብኣስታት 6.3 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ ፕሮጀክት ዝስተ ማይ፡ ብ28 ግንቦት ተመሪቑ።

እቲ ኣብያተ-ትምህርቲን ትካል ጥዕናን እውን ተጠቀምቲ ዝገብር ብምውህሃድ ምምሕዳር ዞባ ደቡብን ክፍሊ ሃብቲ ማይን ዝተዋደደ ፕሮጀክት፡ 13 ኪ.ሜ ዝተዘርግሐ ሻንብቆታት፡ 28.8 ኪሎ-ዋት ዘመንጩ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ክልተ ባስካታት፡ ከምኡ’ውን 15 መዐደሊ ነቑጣታት የጠቓልል።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ ማይ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ክብሮም ምስግና፡ እቲ ፕሮጀክት፡ ብኣሰራርሓኡን ዝህቦ ኣገልግሎትን ብደረጃ ሃገር ኣብ ዓድታት ካብ ዝተሃንጹ ፕሮጀክትታት ማይ ዝዓበየ ምዃኑ ሓቢሩ። ህዝቢ’ተን ዓድታት ንዝገበሮ ኣበርክቶ ድማ ሞጒሱ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ፡ ኣቶ ኣሕመድ ዑስማን፡ ሕጽረት ቀረብ ማይ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጸገማት ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ኰዓቲትን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ዓድታትን ኮይኑ ምጽንሑ ብምሕባር፡ እዚ ናብ ምምራቕ ዝበቕዐ ስርዓተ-ማይ፡ ናይ ልዕሊ 7 ሽሕ ስድራቤታት ጸገም ከምዝፈትሕ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ገብረክርስቶስ፡ መንግስቲ – ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከከም ቀዳምነታቱ ብምስራዕ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ቀረብ ማይ ኰዓቲትን ከባቢኣን ድማ ኣካል ናይቲ ወፍሪ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

Categories