ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ)፡ ምስ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ ብምትሕብባር፡ “መጻኢ ዕዮ ኣብ ኤርትራ፡ ተበግሶ ሓደ ዘመን” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ትማሊ ጀሚሩ ሎሚ 31 ግንቦት ዝዛዘም ዓውደ-ዘተ ኣብ ኣስመራ ወዲቡ።

ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ዶክተር ወልዳይ ፍጡር፡ ወከልቲ ፈደረሽን ኣስራሕቲ ኤርትራን ልኡኻት ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮን ኣብ ዝተረኽቡሉ መኽፈቲ ስነስርዓት ቃል ዘስመዐ – ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣቶ ተኸስተ ባይረ፡ ኤርትራ ካብ 1993 ኣትሒዛ ኣገዳስነት ስሉሳዊ ዝምድናታት ዕዮ ብመትከል ተቐቢላ፡ ምስ ከበድቲ ብድሆታትን ማሕለኻታትን ብንጥፈት ክትዋሳእ ምጽናሓ ብምሕባር፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ብዙሕ ተመኵሮታት ከምእተቐስመ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ዞባዊ ሰላምን ሓድሽ ዕድላትን ንዘላቒ ምዕባለ፡ ዕድላት ስራሕ፡ ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ፕሮግራም ሃገራዊ ልምዓት ኤርትራ፡ ወፍሪ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚታት ሰራሕተኛታት፡ ጽልዋ ዓውለማን ቴክኖሎጂን ኣብ ዕዮ፡ ብድሆታትን ዕድላትን ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ኣብ ዞባዊ ምዕባለታትን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘተኰሩ ወረቓቕቲ ይቐርቡ ኣለዉ።

ሓላፊ ማእከል ወፍሪ ኤርትራ ዶክተር ወልዳይ ፍጡር፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ዕዮ ኣቶ ወልደየሱስ ኤሊሳ፡ ሚስ ዋፋእ ዓብደልቓድር ካብ ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ ድማ፡ ዓለማዊ ስራሕን መጻኢኡን፡ ዘይማዕበላ ሃገራት – ኣብ ዕዮን ምምዕባል ዓቕሚ ሰራሕተኛታትን ክገብራኦ ዝግብአን ወፍሪ፡ ተራ ብቕዓትን ፍልጠትን ኣብ ዕዮ፡ ከምኡ’ውን ብድሆታት ሃገራትን ካልእን ዝድህስስ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ከቕርቡ እንከለዉ፡ ተሳተፍቲ ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዶሙሉ።

Categories