ኣብ ካምፓላ – ኡጋንዳን ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ በዓል ናጽነት ሃገሮም ብልዑል መዓርግ ጸምቢሎም።

ብ25 ግንቦት ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ – ኣስታት 800 ኤርትራውያን፡ ኣዕሩኽ ኤርትራን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ዝተሳተፉዎ ጽምብል፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ መሓመድ ሱሌማን፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ ናይ ልምዓት መድረኽ – ተዓዊትና ክንወጽእ ምእንቲ፡ ናይ ኩሉ ዜጋ ኣበርክቶን ጥምረትን ክሕይል ኣዘኻኺሩ።

ኣቦ-መንበር ሽማግለ በዓላት ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ ዑቕባሚካኤል ይመስገን ድማ፡ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነትና፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ፍረ ጽንዓቶምን ሓያል መኸተኦምን ኣብ ዝሓፈሱሉ ይጽምበል ምህላዉ ብምሕባር፡ ድልውነት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኢጣልያ ድማ፡ ኣብ ሮማ፡ ናፖሊ፡ ቦሎኛ፡ ባሪን ቶሪኖን፡ ብዙሓት ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራ ኢጣልያውያንን ዝተሳተፉዎ – ብ26 ግንቦት ብሓበንን ብልዑል ሃገራዊ ፍቕርን ተጸምቢሉ።

ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ፡ ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስ፡ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ መዋእል ሰላምን ርግኣትን ዘይወሓጠሎምን ናጻ መስመርና ዘይምእማኦምን ሓይልታት ስለዘለዉ፡ ንዘላቕነት ጉዕዞ ልምዓትናን ልዑላውነትናን፡ ንቑሕ መኸተና ብዝሓየለ ውዳበ ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

Categories