ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያን ታንዛንያን፡ ከምኡ’ውን ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ፕሮግራም መሓድሮ ደቂ-ሰብን ዘላቒ ምዕባለ ከተማታትን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣቶ በየነ ርእሶም፡ ካብ 27 ክሳብ 31 ግንቦት ኣብ ናይሮቢ – ኬንያ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ቀዳማይ ዋዕላ ባይቶ መሓድሮ ደቂ-ሰብን ዘላቒ ምዕባለ ከተማታትን ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብ’ቲ “ፈጠራውነት ንዝሓሸ ዓይነታዊ ሂወት ኣብ ከተማታትን ኮማትን” ብዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ኣምባሳደር በየነ ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ተለዋወጥቲ ረቛሒታት ድኽነትን ሽቕለት-ኣልቦነትን ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቴክኖሎጂ፡ ከምኡ’ውን ዕድላትን ዝሓሸ ቀረባትን ተደሚሮም ደፋእቲ ረቛሒታት ንቕልጡፍ ምስፍሕፋሕ ከተማነት ክኾኑ ከምዝጸንሑ ብምምልካት፡ ኣብ ጽላት ሕርሻ ዝነጥፍ ዓቕሚ-ሰብ ኣብ ምምዝባል፡ ኣዕናዊ ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምኽሳት፡ ሰብ-ዝፈጥሮ ጸገማትን ስደትን ኣብ ምፍጣር እውን ተራ ከምዘለዎም ኣብሪሁ።

ዝበዝሑ ኣገደስቲ ቊጠባዊ ትሕተቅርጽታት፡ ፋይናንሳዊ ትካላት፡ ኢንዱስትሪታትን ማእከል መራኸቢታትን ኣብ ከተማታት ዝድኰኑ ምዃኖም እውን፡ ንዋሕዚ ሰብ ናብ ከተማታት ካብ ዘቀላጥፉ ረቛሒታት ምዃኖም እውንወሲኹ።

ዝበዝሕ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ ገጠራት ከምዝነብር ዝጠቐሰ ኣምባሳደር በየነ፡ ኤርትራ’ውን ዝበዝሑ ካብ ዜጋታታ ኣብ ገጠራት ከምዝነብሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብምርግጋጽን ምዕሩይ ዕድላት ብምውሓስን ዋሕዚ ዜጋታት ናብ ከተማታት ንምቅላስ፡ ቀጻሊ ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ኣኼባ – ኣውራ ናይ መጻኢ ኣመታት ብምልላይ፡ ምስ ሰፈራ ደቂ-ሰብ ዝተሓሓዝ ኣገባባትን ደረጃታትን መንብሮ፡ ከምኡ’ውን ዘላቕነት ከተማታትን ምስ ገጠራት ዝህልዎ ምትእስሳርን ብምንጻር፡ ንዘሎ ጸገማት ፍታሓት ኣብ ምንዳይ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ እምነት መንግስቲ ኤርትራ ኣረጋጊጹ።

Categories