ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ ዜጋታት፡ 8,938 ዩሮን 20 ሽሕ ናቕፋን፡ ንመናበዪ ስድራ ስዉኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ወፍዮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ብ“ደቂ ሓደ ልቢ” ዝፍለጡ ዜጋታት፡ 3,638 ዩሮ ንማዕከን ሕድሪ ሰማእታት፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ዳርምሽታት – ጀርመን ንመናበዪ ስድራ ስዉኣት 3 ሽሕ ዩሮ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ቱቢንገንን ከባቢኣን – ጀርመን ድማ ኣብ ርእሲ’ቶም ኣቐዲሞም ክናብይዎም ዝጸንሑ 26 ስድራ ስዉኣት፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ እውን 4 ስድራ ስዉኣት ንምንባይ 2,300 ዩሮ ኣበርኪቶም።

ስድራ-ቤት ነፍስሄር ገብረሂወት ሃይለ ድማ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ክትገብሮ ዝጸንሐት ሓገዝ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 20 ሽሕ ናቕፋ ከምዘወፈየት፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories