ፕረዚደንት ማሕበርነታዊት ሪፓብሊክ ቬትናም ንጉየን ፉ ትሮንግን፡ ልኡል ማልታ ጂያኮሞ ዳላ ቶረን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መልእኽታቶም፡ ንኤርትራን ህዝባን ሰላምን ብልጽግናን፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ምሉእ ጥዕና ተመንዮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሮማንያ ትዮዶር ሜለስካኑ እውን፡ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ሰዲዱ።

Categories